ትግርኛ (tigrinja)
ኣብዚ ገጽ: ንትግርኛ ተዛራባይ ዝኾንካ: ሓበሬታን ንኣገልግሎት ዝመርሑ መለጋግቦታትን: ኣኪብናልካ ኣለና።
ቆጸራ ዝርርብ ብትግርኛ ሓዝ
ኣብ ዝሰማማዓካ ግዜ ብትግርኛ ቆጸራ ብምሓዝ፡ ምስ ናይ ማእከል ዓማዊል (kundcenter) ኣሳላጢ ሰራሕ (handläggare) ክትዘራረብ ትኽእል። እቲ ኣሳላጢ ሰራሕ ናይ መተካእታ ደሞዛት ብኸመይ ከምእትሕብርን ከምእተመልክትን ሓበሬታ ክህበካ ይኽእል እዩ።
ቆጸራ ዝርርብ ንምሓዝ: ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ የድልየካ። ቆጸራ ምስ ሓዝካ: መላግቦ ዝሓዘ ናይ ኢ-መይል ምልእኽቲ ይመጻካ። ቁሩብ ደቓይቕ ዝዝርብካ ቅድሚ ምጅማሩ ኣቐዲምካ: ኣብቲ መላግቦ ጠውቕ።
ምስ ሓደ ኣሳላጢ ስራሕ ብኮምፒተርካ ወይ ውን ብቴሌፎንካ ጌርካ ናይ ቪድዮ ዝርርብ ክትገብር ትኽእል። እንድሕር በቲ ብ ናይ ኢ-መይል ምልእኽቲ ጌርና ዝሰደድናልካ መላግቦ ጌርካ ናብቲ ቆጸራ እንተዘይኣቲኻ ግን: በቲ ዝገደፍካልና ቁጽሪ ተሌፎን ጌርና ንድውለልካ።
ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ተወከስ
ኣብ መላእ ሃገር ሽወደን ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈታት ኣለዉ። ኣብኡ: ን ናይ ውሕስነት ካሳ ቤት ጽሕፈት (Försäkringskassan) ዝምልከቱ ሕቶታት ይኹን: ካልኦት መንግስታዊ ትካላት ከም ናይ ግብርን ህዝባዊ መዝገባን ቤት ጽሕፈት (Skatteverket): ቤት ጽሕፈት ዕዮ (Arbetsförmedlingen) ዝመሰሉ: ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ንኣብነት፣ ሓበሬታ ንምርካብን: ን መተካእታ ደሞዝ ንክትሓትት ናይ ዲጂታል ኣገልግሎታትና ከመይ ጌርካ ከምእትጥቀመሎም: ክትሕገዝ ትኽእል።