Försäkringskassan's logo
Sign in
Keep in mind...

You are using an older version of your web browser. This means that you might not be able to use all of the functions of the website. We recommend that you update to a newer version.

ካብ ጎነጽ ነጻ ዝኾነ ሂወት ክትመርሕ መሰል ኣለካ

ካብቲ ዘሕዝን: ጎነጽ: ኣብ ሕብረተሰብና ዝረአይን: ክፋል ናይ ብዙሓት ሰባት መዓልታዊ መነባብሮን እዩ:: እንድሕር ንጎነጽ ወይ ከኣ ንጾታዊ ዓመጽ ተቓሊዕካ: ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ መሰል ኣለካ:: እዚ ከኣ ነቲ ዓማጺ ፍለጦን ኣይትፍለጦን ብዘየግድስ እዩ:: እቲ ሓላፍነት ናይዚ ጉዳይ ዝወስድ: ኩሉ ግዜ እቲ ዓማጺ ምዃኑ ምዝካር: ኩሉ ግዜ ኣገዳሲ እዩ:: እቲ ጌጋ ብፍጹም ናትካ ኣይኮነን::

ብዙሓት ሰባት: ናይ፥ ብደቂ-ተባዕትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ: ናይ ጎነጽ ኣብ ቀረባ ዝምድና ዘለዎም: ናይ ምስ ክብሪ ዝተተሓሓዘ ጎነጽ: ናይ ጾታዊ ዓመጽ: ናይ ምግፋዕን: ተመኩሮ አለዎም:: እቲ ብልሙድ ዝርአ: እቲ ዓማጺ ናይ ቀረባ ዘመድ ናይ ተዓማጺ ክኸውን ከሎ እዩ:: ንኣብነት፥ ኣባል ስድራ ቤት ወይ ከኣ ህልው ወይ ናይ ቀደም መጻምድቲ ክኸውን ይኽእል::

ተመኩሮ ናይ ጎነጽ ኣለካ ማለት: ኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእሙራዊ ዓቢ ጉድለት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ሕጽረታትን: ቃንዛታትን ምህላዉ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ:: ካብ ጎነጽን ጭኮናን ነጻ ዝኾነ ሂወት ክትመርሕ መሰል ኣለካ:: ክወሃብ ዝኽእል ሓገዝ ኣሎ፣ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ከኣ: ብዛዕባ ተመኩሮታትካ ንዝኾነ ሰብ ወይ ከኣ ንኽሕግዙኻ ዝኽእሉ መንግስታዊ ትካላት: ምንጋር እዩ::

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጎነጽ

ጎነጽ ማለት ዝተፈላለዩ ዓይነት ፍጻሜታት ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ሓደ ሰብ ከኣ ኣብ ሓደ እዋን ንዝተፈላለዩ ዓይነታት ጎነጽ ቃልዕ ክኸውን ይኽእል እዩ:: ኣብዚ: ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጎነጽ ከነረድእ ኢና:: ንሕና ከም ፈርሸክሪንስካሳን (Försäkringskassan) ብዛዕባ ጎነጽ ክንዛረብ ከለና: ካብዞም ዝስዕቡ ንብገስ፥

 

ኣካላዊ ጎነጽ: ምድፋእ: ምቕላዕ: ምጽፋዕ: ምሕናቕ: ኣትሪርካ ምሓዝ/ምጭባጥ: ብዝኾነ ምህረሚ ጌርካ ምህራም: ክኸውን ይኽእል::
ልኡም ኣካላዊ ጎነጽ ንብሎ: ሓደ ሰብ ብሓደ ናይ ጎነጽ ተግባር ጌሩ ንካልእ ሰብ ኣካላዊ ሳዕቤን ንከምጽእ ዝኽእል ነገር ከቃላዖ እንከሎ እዩ:: ንኣብነት ንሰብ ድቃስ ምኽላእ::

 

መግናሕቲ: ምፍርራህ: ምንጻል: መዝሚዝካ ምፍርራህ: ኮምኡ’ውን ክሳብ ስነ-ኣእምራዊ ምሕምሻሽ ናይቲ ግዳይ ከስዕብ ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ምቁጽጻር: ክኸውን ይኽእል።

ስነ-ኣእምራዊ ጎነጽ ንብሎ: ብተዘዋዋሪ: ነብሰ-ቕትለት ክፍጽም እየ ኢልካ ምፍርራሕ ወይ ከኣ ንካልእ ቀረባ ዘመድካ ዝኾነ ምፍርራህ እውን እዩ::

 

ጾታዊ ጎነጽ ንሓደ ሰብ ብዘይድልየቱ ጾታዊ ግብሪ ክፍጽም ወይ ከኣ ክዕዘብ ምግዳድ እዩ:: እዚ ዓመጽ እዚ: ጾታዊ ዘይ ስነ-ምግባር (ንኣብነት ከም ብዘይድልየት ምትንካፍ) እውን ክኸውን ይኽእል:: ጾታዊ ረብሓታት ምግዛእ (ከም ምንዝርና) : ንካልእ ወዲ ሰብ ምጥቃም ማለት ስለ ዝኾነ: ብሕጊ ክልኩል እዩ:: ብዝሕን ዓይነትን ናይቲ ኣከፋፍላ ብዘየገድስ: ክልኩል እዩ::

 

ናይ ዕንወት ንብረት ጎነጽ ማለት: እቲ ነዚ ጎነጽ ዝፍጽም: ንብረት ናይቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ሰብ: ክሰባብርን ወይ ከዕኑን: ወይ’ውን ነቲ ግዳይ ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ንብረት ንኸዕንዎ ክግደድ እንከሎ እዩ:: ጎነጽ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ’ውን ከም ናይ ዕንወት ንብረት ጎነጽ እዩ ዝቑጸር::

 

ቁጠባዊ ጎነጽ: ሓደ ሰብ ንመጻምድቱ ከመይ ጌሩ ገንዘብ ከምዝጥቀምን: ወይ ከኣ ነቲ መጻምድቱ ገንዘብ ዝበሃል ክኸልእ እንከሎ: ክኸውን ይኽእል:: እቲ ሰብ: መጻምድቱ ልቓሕ ክወስድ ከገድድ: ንተነጽሎን: ቃልዖትን ንኸኻዕብትን: ነቲ ሰብ ተጸባዪን ንኽገብሮን ክብል: ንቁጠባን ዋኒን ንብረትን ብጥብቂ ዝቋጻጸር ክኸውን ይኽእል እዩ::

 

ሸለልትነት ዝበሃል: እቲ ግዳይ፣ ናይ መግቢ: ኣፋውስ ወይ ናይ ጽሬት ሓገዝ ዘድልዮ: ዘይወሃቦ ክኸውን ከሎ: ክኸውን ይኽእል:: ካብዚ ንላዕሊ ጭቡጥ ኣብነት ንብሎ ከኣ: ካብ ዓራት ንኽትወርድ ሓገዝ ዘይምርካብ ወይ ከኣ ጌጋ ዓቐን ናይ መድሃኒት ክወሃበካ እንከሎ: ክኸውን ይኽእል::

 

ኩውል ጎነጽ ማለት: ቀጻሊ ዝኾነ ፍርሕን ወይ ከኣ ናይ ጎነጽ ከየጋጥም ሻቕላ ኣሎ ማለት እዩ:: ኣብቲ ናይቲ ወንጀለኛ ኣካላዊ ኣቃውማን ምንቅስቓስን ዝርኤ: ሕርቃንን ጎነጽን ክኸውን ይኽእል:: እዚ ከኣ: ራዕዲ ይፈጥርን: ከም ምፍራሕ ወይ ከኣ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮታት ናይ ጎነጽ ዘዛኻኽርን ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል::

ደገፍን ሓገዝን ነቲ ናይ ጎነጽ: ምፍርራህ: ወይ ከኣ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ግዳይ ዝኾነ

በይንኻ ኣይኮንካን:: ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ከመሓይሹ: ነቲ ዘጋጠመ ክትዛረበሉን: ሓገዝን ደገፍን ዘወፍዩ ብዙሓት ኣለዉ::

 

ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Socialtjänsten)

ኣብቲ ተመዝጊብካዮ ዘለኻ ኮሙን ዘሎ: ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (socialtjänsten) ክትውከስ ትኽእል ኢኻ:: ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (socialtjänsten) ንጎነጽ ዝተቓልዑ ዘወፍዮ ጻዕርታት ይፈላልይ እዩ:: እቶም ዝበዝሑ ኮሙናት ምኽሪ ምልጋስ: ናይ ደገፍ ዝርርብን: ቁጠባዊ ሓገዝን ይህቡ:: ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (socialtjänsten) ኣብ ከባቢኻ ዘለው ናይ መዕቖቢ ትካላት ከራኽቡን: ግዝያዊ ትሕብኣሉ ዉሑስ ገዛ ከዳልውልካ ይኽእሉ እዮም::

ማዕከን ጥዕናን-ሕክምናን (Hälso- och sjukvården)

ኣገልግሎት ሕክምና (Vårdguiden 1177) ንግዳይ ናይ ኣብ ቀረባ ዝምድና ዘሎ ጎነጽ ንዝኾንካ: ዝርከብዎም ሓበሬታታት ኣለዉዎም::

Våld i nära relationer (ብሽወደንኛ) (1177.se) External link, opens in new window.

ፖሊስ (Polisen)

ህጹጽ ሓገዝ እንተድኣ ኣድልዩካ: ኩሉ ግዜ 112 ክትድውል ኣለካ::
ናይ ፖሊስ: ናይ ኣብ ቀረባ ዝምድና ዘሎ ጎነጽ: ናይ ሓበሬታ ገጽ

Brott i nära relation (polisen.se) External link, opens in new window.

Hedersfortryck.se

ሓበሬታ ንግዳይ ናይ ምስ ክብሪ ዝተሓሓዝ ጸቕጢ ንዝኾንካን: ኮምኡ’ውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝያዳ ንኽትምሃር እትደሊ::
በዓል ሞያ ዝኾንካን ወይ ከኣ ንግብረ-ሰናይ ትሰርሕን: ኮምኡ’ውን ምስ ክብሪ ዝተሓሓዝ ጸቕጢ ዝምልከት ማዕዳን ምኽርን ምስዘድልየካ: ናይ ደገፍ ቁጽሪ ስልኪ 010‑223 57 60 ክትጥቀም ትኽእል::

Hedersfortryck.se (ብሽወደንኛ) External link, opens in new window.

ክቪኑፍሪድስሊንየን (Kvinnofridslinjen)

ክቪኑፍሪድስሊንየን (Kvinnofridslinjen) መዓልትን ለይትን ደገፍ ብ መንገዲ ቴሌፎን የበርክት:: ን ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (socialtjänsten): ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተረኛ (socialjour): መዕቖቢ ደቂ-ኣንስትዮ ብከመይ ትራኸቦም ከማን: ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም:: ክቪኑፍሪድስሊንየን: ንግዳይ ናይ ጎነጽ ዝኾንካ ንባዕልኻ ይኹን: ዘመድ: መሓዛ ወይ ከኣ ፈላጢ ናይ ነዚ ቃልዕ ዝኾነት ጓል-ኣንስተይቲ ’ኹን: ኣገልግሎቱ ክፉት እዩ። ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ዘይክፈሎ ኮይኑ: እቲ ዝተደወለ ኣብ መኽፈሊ ወርሓዊ ዕዳ ከማን ኣይረኣይን እዩ:: እቲ ቁጽሪ ስልኪ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዝደወልካሎም ቁጽርታት: ኣብ ሞባይልካ ክርአ ዘይትደሊ እንተዳ ኮንካ: ባዕልኻ ካብቲ ሊስታ ናይ ዝተደወሉ ቁጽርታት: ነቲ ቁጽሪ ክትድምስሶ ከምዘለካ: ኣይትረስዕ:: ቁጽሪ ስልኪ: 020‑50 50 50.

Kvinnofridslinjen (kvinnofridslinjen.se) External link, opens in new window.

ብሮትስኦፈርጋይደን(Brottsofferguiden)

መምርሒ ን ግዳይ ናይ ሓደ ገበን ዝኾንካ::

Brottsofferguiden (ብሽወደንኛ) (brottsofferguiden.se) External link, opens in new window.

ብሮትስኦፈርኹረር (Brottsofferjourer)

ግዳይ ገበን እንተደኣ ኰንካ ደገፍ የበርክቱ::

Brottsofferjourernas riksförbund (ብሽወደንኛ) (brottsofferjouren.se) External link, opens in new window.

Dinarattigheter.se

ንግዳይ ናይ ምስ ክብሪ ዝተሓሓዝ ጸቕጢ ዝኾንካ ሓበሬታ ዘበርክቱ::

Dinarattigheter.se (ብሽወደንኛ) (karlekenarfri.se) External link, opens in new window.

ኹርሃቫንደ ሜድሜኒኻ (Jourhavande medmänniska)

ብመንገዲ ቻትን ቴሌፎንን ናይ ዝርርብ ደገፍ ዘበርክቱ ናይ ግብረ-ሰናይ ውድብ::

Jourhavande medmänniska (ብሽወደንኛ) (jourhavande-medmanniska.se) External link, opens in new window.

ክቪኑ-ኦክ ሼይኹረር (Kvinno- och tjejjourer)

ሮክስ (Roks) ከምኡ ’ውን ዩኒዞን (Unizon) ዝበሃሉ: ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብዚ ሃገር ደገፍ ን ኣንስትን ኣዋልድን ዘበርክቱ መዕቖብታት ኣለዎም::

Roks (roks.se) External link, opens in new window.

Unizon (ሽወደንኛ) (unizon.se) External link, opens in new window.

ኪው-ኹረን (Q-jouren)

ንጎነጽ ቓልዕ ዝኾና: ሕሉፍ ተመኩሮ ናይ ምውላፍን ምንዝርናን ዘለወን ደቂ-ኣንስትዮ:: እዚ መዕቖቢ ኪው-ኹረን (Qjouren) ነታ ደገፍ: መዕቖብ: ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላታ ደልያ ትመጾም ጓል-ኣንስተይቲ: ካብ ወልፊ ድራግ ነጻ ክትከውን ኣለዋ ኢሉ: ግዴታ ኣይገብረላን እዩ::

Q-jouren (ብሽወደንኛ) (qjouren.se) External link, opens in new window.

ኤር-ኤፍ-ኤስ-ኤል ስተድሙታግኒን (RFSL Stödmottagning)

ንምግፋዕን: ምፍርርራህን ጎነጽን ተቓሊዖም ዝፈልጡ ኣባላት ስግረ ጾታዊ መንነትን ስምዒትን (HBTQ) ዝኾኑ ሰባት::

RFSL Stödmottagning (ብሽወደንኛ) (rfsl.se) External link, opens in new window.

ሃገራዊ ማሕበር ናይ ደገፍ ማእከል ኣንጻር ግብረ-ዘመድን ካልእ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ህጻንነት Riksföreningen stödcentrum mot incest och andra sexuella övergrepp i barndomen

ንኣብ ህጻውነተን ንጾታዊ ዓመጽ ተቓሊዐን ዝፈልጣ ደቂ-ኣንስትዮ::

Riksföreningen stödcentrum mot incest och andra sexuella övergrepp i barndomen (ብሽወደንኛ) (rise-sverige.se) External link, opens in new window.

ሪክስክሪስሰንትሩም (Rikskriscentrum) – ናይ ሃገረ ሽወደን ማእከል ቅልውላው-ዝኣተዎም ደቂ-ተባዕትዮ

ምስ ቅልውላው ዝኣተዎም ደቂ-ተባዕትዮ ደገፍ ዝህቡ ትካላት ዝሰርሕ ጽላላዊ ማሕበር:: ኣብዚ: ናይ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብዚ ሃገር ዝርከቡ ማእከል ናይ ቅልውላው-ደገፍ ንደቂ-ተባዕትዮ: መወከሲ ክትረክብ ትኽእል::

Rikskriscentrum – Sveriges kriscentrum för män (ብሽወደንኛ) (rikskriscentrum.se) External link, opens in new window.

ቴራፌም (Terrafem)

ተረኛ ቴሌፎን ን ናይ ወጻእተኛ ድሕረ-ባይታ ዘለወን ደቂ-ኣንስትዮ:: እቲ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ኣብ መኽፈሊ ወርሓዊ ዕዳ ኣይረኣይን እዩ::
ቁጽሪ ስልኪ: 020‑52 10 10.

Terrafem (ብሽወደንኛ) (terrafem.org) External link, opens in new window.

ትሪስ (TRIS)

ትሪስ (Tris) ምስ ብ ክብሪ ዝተሓሓዝ ጎነጽን ጸቕጥን ቓልዕ ዝኾንኻ ሰብ: ናይ ቴሌፎን ደገፍ እዩ::

TRIS (ብሽወደንኛ) (tris.se) External link, opens in new window.

እተዛመደ ሊንክታ ወይ መላግቦታት

Last updated: