ካብ ጎነጽ ነጻ ዝኾነ ሂወት ክትመርሕ መሰል ኣለካ
ካብቲ ዘሕዝን: ጎነጽ: ኣብ ሕብረተሰብና ዝረአይን: ክፋል ናይ ብዙሓት ሰባት መዓልታዊ መነባብሮን እዩ:: እንድሕር ንጎነጽ ወይ ከኣ ንጾታዊ ዓመጽ ተቓሊዕካ: ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ መሰል ኣለካ:: እዚ ከኣ ነቲ ዓማጺ ፍለጦን ኣይትፍለጦን ብዘየግድስ እዩ:: እቲ ሓላፍነት ናይዚ ጉዳይ ዝወስድ: ኩሉ ግዜ እቲ ዓማጺ ምዃኑ ምዝካር: ኩሉ ግዜ ኣገዳሲ እዩ:: እቲ ጌጋ ብፍጹም ናትካ ኣይኮነን::
ብዙሓት ሰባት: ናይ፥ ብደቂ-ተባዕትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ: ናይ ጎነጽ ኣብ ቀረባ ዝምድና ዘለዎም: ናይ ምስ ክብሪ ዝተተሓሓዘ ጎነጽ: ናይ ጾታዊ ዓመጽ: ናይ ምግፋዕን: ተመኩሮ አለዎም:: እቲ ብልሙድ ዝርአ: እቲ ዓማጺ ናይ ቀረባ ዘመድ ናይ ተዓማጺ ክኸውን ከሎ እዩ:: ንኣብነት፥ ኣባል ስድራ ቤት ወይ ከኣ ህልው ወይ ናይ ቀደም መጻምድቲ ክኸውን ይኽእል::
ተመኩሮ ናይ ጎነጽ ኣለካ ማለት: ኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእሙራዊ ዓቢ ጉድለት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ሕጽረታትን: ቃንዛታትን ምህላዉ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ:: ካብ ጎነጽን ጭኮናን ነጻ ዝኾነ ሂወት ክትመርሕ መሰል ኣለካ:: ክወሃብ ዝኽእል ሓገዝ ኣሎ፣ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ከኣ: ብዛዕባ ተመኩሮታትካ ንዝኾነ ሰብ ወይ ከኣ ንኽሕግዙኻ ዝኽእሉ መንግስታዊ ትካላት: ምንጋር እዩ::
ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጎነጽ
ጎነጽ ማለት ዝተፈላለዩ ዓይነት ፍጻሜታት ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ሓደ ሰብ ከኣ ኣብ ሓደ እዋን ንዝተፈላለዩ ዓይነታት ጎነጽ ቃልዕ ክኸውን ይኽእል እዩ:: ኣብዚ: ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጎነጽ ከነረድእ ኢና:: ንሕና ከም ፈርሸክሪንስካሳን (Försäkringskassan) ብዛዕባ ጎነጽ ክንዛረብ ከለና: ካብዞም ዝስዕቡ ንብገስ፥
ደገፍን ሓገዝን ነቲ ናይ ጎነጽ: ምፍርራህ: ወይ ከኣ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ግዳይ ዝኾነ
በይንኻ ኣይኮንካን:: ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ከመሓይሹ: ነቲ ዘጋጠመ ክትዛረበሉን: ሓገዝን ደገፍን ዘወፍዩ ብዙሓት ኣለዉ::