ኣብዚ፡ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) እንታይ ማለት ምዃኑን: ከምኡውን ኣብ ሽወደን ቀዋሚ ውይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኽብካ ኣየኖት ሓገዛት መሰል ከምዘሎካ ከተንብብ ትኽእል።
ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) እንታይ እዩ?
ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ንህጻናት ዘለዎም ስድራቤታት፡ንሕሙማትን ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ገንዘብ ዚኸፍል በዓል መዚ እዩ። እዚ ገንዘብዚ ድማ መተካእታ ደሞዝ ወይ ካሕሳ ይብሃል።
VIDEO
ሰላም፡ እንኳዕ ናብ ቤትስልጣን ውሕስነት ካሳ ብደሓን መጻእኩም!
እዚ ፊልምዚ ንዓኻ ገና ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካን፤ ናይ መትከል-እግሪ ደሞዝ እትቕበልን ዚምልከት እዩ።
ኣብ መንጎ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳን (Försäkringskassan) ብሕታዊ ኩባንያ ውሕስነትን (privat försäkringsbolag) እንታይ ፍልልይ ኣሎ?
ኣብ ናይ ብሕታዊ ኩባንያ ውሕስነት (privat försäkringsbolag) ውሕስነት ንምርካብ: መጀመርያ ባዕልኻ ገንዘብ ክትከፍል ኣሎካ። ንኣብነት ንቤትካ ወይ ንማኪናኻ ንኸተውሕስ ክትከፍል ኣሎካ። ኣብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan)፡ ውሕስነት እትረክብ ናይ ሽወደን መንብሪ ፍቓድ ምስ ዚህልወካን ዕድመኻ ድማ እንተወሓደ 16 ዓመት ምስ ዚኸውንን እዩ።
ኣብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክምዝገብ ይግበኣኒዶ?
ኣይፋል፡ ክትምዝገብ ኣየድልየካን እዩ። ንመተካእታ ደሞዝ ወይ ካሕሳ ምስ እተመልክት፡ እቲ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ነቲ መተካእታ ደሞዝ መሰል እንተሎካ ኪምርምር እዩ። ነቲ መተካእታ ደሞዝ መሰል ምስ ዝህልወካ ብቐጥታ ምዝጉብ ክትከውን ኢኻ።
ኣይፋልን፡ ምምዝጋብ ኣየድልየካን። ንመተካእታ ደሞዝ ክትሓትት ምስ ዘይተመልከት: ኣብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ግድነት ክትምዝገብ ኣየድልየካን እዩ።
ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ወላድ እንተሎካ ኣብ ህዝባዊ ክብሪ መዝገብ ምስ ተመዝገብካ ክንውከሰካ ኢና። ሽዕኡ ናይ ህጻን ደገፍን (barnbidrag) ካልእ ንህጻናት ዘለዎም ስድራቤታት ዝምልከት መተካእታ ደሞዛትን መሰል እንተሎካ ክንምርምር ኢና።
ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ወላድ እንተሎካ ንቤት ጽሕፈት ዉሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክትሕብር ኣሎካ። ሽዑ ንእተናውሐ ናይ ህጻን ደገፍ (förlängt barnbidrag) ወይ’ውን ካልእ መተካእታ ደሞዛት መሰል እንተሎካ ክንምርምር ኢና።
ናብ ሽወደን ብዘይ ህጻን እንተመጺእካ ዝኾነ ነገር ክትገብር ኣየድልየካን እዩ። እንተደኣ ውላድካ ብድሕሬኻ ናብ ሽወደን እንተመጺኡ ግን ናብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክትሕበር ኣሎካ። ሽዕኡ ንናይ ህጻን ደገፍን (barnbidrag) ካልእ ንህጻናት ዘለዎም ስድራቤትታት ዝምልከት መተካእታ ደሞዛትን መሰል እንተሎካ ክንምርምር ኢና።
እቲ ህጻን ከም ዝመጸ ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ ኣገልግሎት ኣብያተጽሕፈትና ክትሕብር ትኽእል።
ክፍሊ ኣገልግሎት ድለ
ቀንስ
ንመተካእታ ደሞዝ ንምምልካት ሓገዝ ክረክብ እኽእልዶ?
እወ። ንኣየናይ ዓይነት መተካእታ ደሞዝ መሰል ከም ዘሎካን ከመይ ጌርካ ከም እተመልክትን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ሓገዝ ኣሎ።
1. ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ንእተፈላለየ መተካእታ ደሞዝ ወይ ካሕሳታት ብዝምልከት ኣንብብ
እቲ ሓበሬታ ብሽወደን ወይ ብእንግሊዝ እዩ።
ቋንቋ ሽወደን ዚርድኣካ እንተኾይኑን ኤለክትሮኒካዊ መንነት (e-legitimation) እንተሎካን ኣብ Mina sidor ብምእታው ባዕልኻ ክትሕብርን ከተመልክትን ትኽእል። ሚና ሲዱር (Mina sidor) ብቋንቋ ሽወደን ጥራይ እዩ ዘሎ።
ሚና ሲዱር (Mina sidor)
2. ንሓንቲ ካብተን ናይ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ ክፍሊ ኣገልግሎት (Försäkringskassans servicekontor) ብጽሓያ።
ኣብኡ ናይ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ሰራሕተኛታት ክትረክብ ኢኻ፡ እንታይ መሰል ከም ዘሎካን ከመይ ጌርካ ከም እተመልክትን ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ።
ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ድለ
3. ብቛንቋኻ ናይ ተለፎን ዝርርብ ቆጸራ ሓዝ
ምስ ኣሳላጢ ስራሕ (handläggare) ብዓረብ፡ ትግርኛ፡ እንግሊዝ፡ ቱርኪ ፡ፈረንሳ፡ ስፓኛ ወይ ጀርመን ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣሳላጢ ስራሕ፡ ናይ ደሞዝ መተካእታ ወይ ካሕሳ ንምምልካት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ብቛንቋኻ ናይ ተለፎን ዝርርብ ቆጽራ ሓዝ
4. ኣብቲ ናይ ዓመዊል መድረኽ (ኩንድፎሩም) ሕቶ ኣቕርብ፡ ብእንግሊዝ ድማ መልሲ ትረክብ።
ኣብዚ ካብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ዚርከብ ናይ ደሞዝ መተካእታ ወይ ካሕሳ ንዚምልከት ሓፈሻዊ ሕቶ ከተቕርብ ትኽእል፡ መልሲ ድማ ብእንግሊዝ፡ስፓኛ፡ ፊኒስካን ፖልስካን ይወሃበካ
መድረኽ ዓመዊል ብኻልእ ቋንቋታት
ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ዚምልከት መተካእታ ደሞዝ
ኣብዚ፡ ብዛዕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ ዚህልወካ መሰል ናይቶም ዝውቱራት መተካእታ ደሞዛት ከተንብብ ትኽእል። ኣብ ትሕቲ ነፍስወከፍ ኣርእስቲ ንተወሳኺ ሓበሬታ ዚምልከት መላግቦ ወይ ሊንክ ኣሎ። እዚ ሓበሬታዚ ድማ ብሽወደንን እንግሊዝን ኣሎ።
ካብ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ናይ እግሪ ምትካል ትልሚ (etableringsplan) ተዋሂቡካ እንተ ኾይኑ፡ ካብቲ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan)ሓጋዚ መትከል እግሪ (etableringsersättning) ክትረክብ ትኽእል። ውላድ ወይ ናይ ገዛእ ርእስኻ መንበሪ ቤት ምስ ዚህልወካ ናይ ምትካል እግሪ ተወሳኺ ሓገዝ (etableringstillägg) ወይውን ናይ ክራይ ገዛ መተካእታ ደሞዝ (bostadsersättning) ክትረክብ ትኽእል።
Etableringsersättning – ሓበሬታ ብትግርኛ
ፊልም ብትግርኛ፤
VIDEO
ቀንስ
ኩሉ ኣብ ሽወደን ዚቕመጥ ትሕቲ 16 ዓመት ውላድ ዘለዎ ሓገዝ ህጻናት (Barnbidrag) ይውሃቦ። እቲ ውላድ 16 ዓመት ምስ መለአ እቲ ሓገዝ ህጻናት (Barnbidrag) የቋርጽ። ግን እቲ ውላድ ገና ኣብ ማእከላይ ደረጃ ትምሀርቲ (grundskolan) እንተሎ፡ እተናወሐ ሓገዝ ህጻናት (förlängt barnbidrag) ይረክብ።
ካብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት (Migrationsverket) መዓልታዊ መተካእታ ደሞዝ (dagersättning) ትወስድ እንተኾንካ፡ ሓገዝ ህጻናት ክትረክብ ኣይትኽእልን።
ናብ ሽወደን ክትመጽእ ከሎኻ ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድመኡ ህጻን ምሳኻ ምስ ዚህሉ፡ ተመዝጊብካ ምስ ወዳእካ ንሓገዝ ህጻናት (Barnbidrag) ብዚምልከት ክንውከሰካ ኢና። ናብ ሽወደን በይንኻ ምስ እትመጽእ ግን፡ ዝኾነ ክትገብሮ ዘድልየካ ነገር የልቦን። እቲ ህጻን ብድሕረኻ ናብ ሽወደን ምስ ዚመጽእ፡ ከም ዝመጸ ክትሕብረና ይግባእ።
ሓገዝ ህጻናት (Barnbidrag) (ሓበሬታ ብሽወደንን ብእንግሊዝን)
ፊልም ብትግርኛ፤
VIDEO
ቀንስ
መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (Föräldrapenning) ኣብ ክንዲ እትሰርሕ ወይ ስራሕ እትደሊ ወይ ትመሃር፡ ነዚ ኹሉ ገዲፍካ ንውላድካ ክትኣሊ ከሎኻ እትረኽቦ ገንዘብ እዩ።
ካብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት (Migrationsverket) መዓልታዊ መተካእታ ደሞዝ (Dagersättnig) ትወስድ እንተዂንካ፡ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (Föräldrapenning) ክትረክብ ኣይትኽእልን።
ትርጉም ካብ ሽወደንኛ ብሰማንቲክስ ዝተዳለወ
ውላድኩም ኣብ ሽወደን ምቕማጥ ኪጅምር ከሎ፡ ዕድመኡ/ኣ ነተን መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (Föräldrapenning) ክትወስዱለን መሰል ዘሎኩም ቍጽሪ መዓልታት ይጸሉ’ዩ።
ውላድኩም ኣብ ሽወደን ምቕማጥ ኣብ ዚጅምረሉ፡ ዕድመኡ/ኣ 1 ዓመት ወይ ልዕልኡ እንተ ኾይኑ፡ ብስም ውላድኩም እንተ ዛየደ ናይ 200 መዓልቲ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ትወስዱ።
ውላድኩም ኣብ ሽወደን ምቕማጥ ኣብ ዚጅምረሉ፡ ዕድመኡ/ኣ 2 ዓመት ወይ ልዕልኡ እንተ ኾይኑ፡ ብስም ውላድኩም እንተ ዛየደ ናይ 100 መዓልቲ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ትወስዱ።
መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (Föräldrapenning) (ሓበሬታ ብሽወደንን ብእንግሊዝን)
ፊልም ብትግርኛ፤
VIDEO
ቀንስ
ተፋቲሕካ ምስ እትኸውን ወይ ምስ ናይቲ ህጻን ካልእ ወላዲ እተፈላለኻ ምስ እትኸውን እሞ እቲ ውላድ ምሳኻ ዚቕመጥ ምስ ዚኸውን፡ እቲ ካልኣይ ወላዲ እዩ ናይቲ ውላድ ሓገዝ ዝኸፍል። እዚ ኸኣ መናብዪ ሓገዝ (underhållsbidrag) ይብሃል። እቲ ካልእ ወላዲ ነቲ መናብዪ ሓገዝ (underhållsbidrag) ምስ ዘይከፍል፡ ናብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ናይ መናበዪ ደገፍ (underhållsstöd) ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ብሓደ ንዘይነብሩ ወለዲ (ሓበሬታ ብሽወደንን ብእንግሊዝን)
ፊልም ብትግርኛ፤
VIDEO
ቀንስ
ካርድ ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU-kortet) ካብ ሽወደን ናብ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ (EU)/ወይውን ሃገራት ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ዞባ ኣውሮጳ(EES) ወይ ናብ ስዊዘርላንድ ምስ እትገይሽ ናይ ህጹጽ ሕማም ሕክምናን ክንክን ስንን መሰል ይህበካ።
EU-kort(ሓበሬታ ብሽወደንን ብእንግሊዝን)
ፊልም ብትግርኛ፤
VIDEO
ቀንስ
ደገፍ ክንክን ስኒ (Tandvårdsstödet) ነቶም ናይ ስኒ ሕክምና ኪገብሩ ንዝደልዩ ዝውሃብ ቁጠባዊ ደገፍ እዩ።
ኩሉ ኣብ ሽወደን ዝነብርን ኣብ ቤት ጽሕፈት ውሕስነት ካሳ ምዝጉብ ዝኾነን: ካብ 23 ዓመት ዝመልኣላ ዕለት ጀሚሩ መሰል ናይ መንግስታዊ ደገፍ ክንክን ስኒ (statligt tandvårdsstöd) ኣለዎ። ንህጻናትን መንእሰያትን ትሕቲ እቲ ዝተጠቐሰ ዕድመ: ደገፍ ክንክን ስኒ (tandvård) ብነጻ እዩ።
መንግስታዊ ደገፍ ክንክን ስኒ (det statliga tandvårdsstödet) ክበሃል ከሎ፡ ሓፈሻዊ ሓገዝ ክንክን ስኒ (Allmänt tandvårdsbidrag)፡ ፍሉይ ደገፍ ክንክን ስኒ (Särskilt tandvårdsstöd) ከምኡ’ውን ሓገዝ ልዑል ክፍሊት (Högkostnadsskydd) የጠቓልል።
ደገፍ ክንክን ስኒ (Tandvårdsstödet) (ሓበሬታ ብሽወደንን ብእንግሊዝን)
ቀንስ