ጊዜ መስርሕን ንምፍላጡ ጽቡቕ ሓበሬታን (Handläggningstider - bra att veta)
ንጥፈታዊ ሓገዝ (Aktivitetsersättning)
ዘእተኻዮ ሕቶ ምስ በጽሐ ድሕሪ ሰሙን ፈጻሚ ጕዳይካ ምሳኻ ርክብ ይገብር፣
ንጕዳይካ መዓስ ውሳነ ከም ዚወሃቦ ብዝምልከት ኣየናይ ገምጋም ከም ዘለና ሽዑ ሓበሬታ ትረክብ፣ እቲ ጕዳይ ዚረኣየሉ እዋን ዳርጋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከም ዚወስድ ናተይ ኢልካ ሕዞ፣
ንምፍላጡ ጽቡቕ!
-
- ንንጥፈታዊ ሓገዝ መሰል እንተለካ ንወሰኽ-ሓገዝ (bostadstillägg) ክራይ’ውን መሰል ኪህልወካ ይኽእል’ዩ፣
ሓገዝ ክራይ-ገዛ ንመንእሰያትን ስድራ ቈልዑን (Bostadsbidrag till unga och barnfamiljer)
ኵሉ እቲ ዘድሊ ሓበሬታ ምስ ተረከብና። ጕዳይ ኪረአ እንተ ነውሐ 30 መዓልቲ ይወስድ፣
ካባኻ ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ተወሰኽቲ ሰነዳት እንተ ኣድልዮምና። ወይ ንጕዳይካ ክንምርምር እንተ ኾይንና ነዊሕ ጊዜ ኪወስድ ይኽእል’ዩ፣ ከምኡ እንተ ኾይኑ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንረኽበካ፣
ንምፍላጡ ጽቡቕ!
-
- ኣብ ቀረባ እዋን ኣድራሻ ዝቐየርካ እንተ ኾይንካ። ኣብ’ቲ ዝቐየርካዮ ሓድሽ ኣድራሻ ዘሎ ህዝባዊ ምዝገባ ከም ዝተጻሓፍካ ኣረጋግጽ፣
- ኣብ ክራይ ገዛ ትቕመጥ እንተ ኾንይካ። ምስ’ቲ ተእትዎ ምልክታ ኣሰኒኻ። ውዕል ክራይ ገዛን መኽፈሊ ክራይ ገዛን ምስዳድ ኣይትረስዕ፣ ቅድሚ ሽዑ ንሓገዝ ክራይ ገዛ ሕቶ እንተ ኣእቲኻ። ኣሞ ኣብ ዘለኻዮ ኣድራሻ ትጸንሕ እንተ ኾይንካ። እዋናዊ መኽፈሊ ክራይ ገዛ ምስዳድ’ዩ ዘድልየካ፣
- ኣብ ኮንዶሚንየም (bostadsrätt) ወይ ንእሽቶ ገዛ (småhus) ትቕመጥ እንተ ኾይንካ። ምስ’ቲ እተእትዎ ጠለብ ናይ ትሕዞ ወይ ናይ ገዛ ምትሕልላፍ ውዕል ከምኡ’ውን ዝርዝር ክፍሊት (ስፐሲፊካሹን) ክትሰድድ ኣለካ፣ ልቓሕ እንተለካ። እዋናዊ ሓበሬታ ዕዳን ወለድን ክትሰድድ ኣለካ፣ ኣብ ቦስታድስረት ትቕመጥ እንተ ኾይንካን ቅድሚ ሽዑ ሓገዝ ክራይ ሓቲትካ እንተ ኔርካን። እዋናዊ ቅዳሕ ዝርዝር ክፍሊት ክትሰድድ ኣለካ፣ ልቓሕ እንተለካ ብዛዕብኡን ንዘለዎ ወለድን ኣመልኪትካ’ውን ሓበሬታ ስደድ፣
መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (Föräldrapenning)
ኵሉ እቲ ዘድሊ ሓበሬታ ምስ ተረከብና። ጕዳይ ኪረአ እንተ ነውሐ 30 መዓልቲ ይወስድ፣
ካባኻ ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ተወሰኽቲ ሰነዳት እንተ ኣድልዮምና። ወይ ንጕዳይካ ክንምርምር እንተ ኾይንና ነዊሕ ጊዜ ኪወስድ ይኽእል’ዩ፣ ከምኡ እንተ ኾይኑ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንረኽበካ፣
ንምፍላጡ ጽቡቕ!
-
- ኣብ መርበብ ኢንተርነት ዘሎ ኣገልግሎት ወለዲ (föräldratjänst) ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፣ ነዚ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምጥቃም መተካእታ ደሞዝ ወላዲ በየናይ ኣገባብ ትወስዶ ከም እትደሊ መደብ ከተውጽእን ንደቅኻ ክንደይ መዓልቲ ተሪፍዎም ከም ዘሎ ክትከታተልን ትኽእል ኢኻ፣ ኣብኡ ንመተካእታ ደሞዝ ወላዲ ክትምዝገብን ሕቶ ጠለብ መተካእታ ደሞዝ ወላድን ከተእቱ’ውን ትኽእል ኢኻ፣
- ኣብ’ቲ ዘለካ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ኪቕየር እትደልዮ ነገር እንተሎ። ቅድሚ ዕለት 15 ናይ’ታ ወርሒ ክትሕብረና ይግባእ፣ በዚ ኣገባብ ድማ ኣብ’ቲ ዚስዕብ ናይ ክፍሊት ወቕቲ ልክዕ ድምር ክፍሊት ይመጸካ፣
- እንተ ደንጐኻ ካብ’ቲ ነቲ መተካእታ ደሞዝ ክትወስደሉ እትሓተሉ መዓልቲ ኣትሒዝካ ጊዜያዊ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ሕተት፣ ቅድሚ’ቲ ጠለብ ሕቶ ምእታዉ ንዘለዉ መዓልታት ካሕሳ ትሓትት እንተለኻ ምኽንያቱ ግለጽ፣ ነዚ ንምግባር ከኣ ወይ ምስ ”ኩንድሰንተር” (kundcenter) ርክብ ትገብር ወይ ከኣ ኣብ’ቲ ’መተካእታ ደሞዝ ወላዲ’ ዚበሃል መሕተቲ ቅጥዒ ዘሎ ”ተወሳኺ ሓበሬታ” (övriga upplysningar) ኣብ ዚብል ክፋል ትገልጾ፣
- ክሳብ መዓስ ዕረፍቲ ወለዲ ከም ትወስድ ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ ትፈልጥ እንተ ኾይንካ። ናይ ብሙሉኡ እቲ ወቕቲ ሕቶ ኣእቱ፣
- መተካእታ ደሞዝ ወለዲ ንፈለማኻ ትሓትት እንተለኻ ወይ ኵነታት ደሞዝካ እንተ ተቐዪሩ። ምስ’ቲ እተእትዎ መሕተቲ ቅጥዒ ቅዳሕ ዝርዝር ደሞዝካ ኣሰኒኻ ስደዶ፣.
ሓገዝ ስንክልና (Handikappersättning)
ዘእተኻዮ ሕቶ ምስ በጽሐ ድሕሪ ሰሙን ፈጻሚ ጕዳይካ ምሳኻ ርክብ ይገብር፣
ንጕዳይካ መዓስ ውሳነ ከም ዚወሃቦ ብዝምልከት ኣየናይ ገምጋም ከም ዘለና ሽዑ ሓበሬታ ትረክብ፣ እቲ ጕዳይ ዚረኣየሉ እዋን ዳርጋ ሰለስተ ኣዋርሕ ከም ዚወስድ ናተይ ኢልካ ሕዞ፣
ንምፍላጡ ጽቡቕ!
- ጕዳይካ ኪረአ ምስ ሓደ ፈጻሚ ጕዳይ ብውልቂ ከም ትራኸብ ዕድል ክንህበካ ኢና፣ እቲ ርክብ ቅድሚ ምክያዱ ተቐራሪብካ እንተ ጸናሕካ ጽቡቕ’ዩ፣ ከመይ ዝበለ ሓገዝ ከም ዘድልየካን። ብሰንኪ ምግደራኻ (funktionsnedsättning) እተውጽኦም ተወሰኽቲ ወጻእታት እንተለዉኻ ኣስተርሒኻ ሕሰብ፣
- ጕዳይካ ኪረአ ጸብጻብ ሓኪም (läkarutlåtande) ክትሰድድ ኣለካ፣ ብዝተኻእለ መጠን ብእዋኑ ስደዶ! እቲ ጸብጻብ ሓኪም ከይተቐበልና። ውሕስነት ካሳ (försäkringskassan) ንሓገዝ ስንክልና መሰል ዘለካ ዘይብልካን ኪምርምር ኣይክእልን’ዩ፣
መተካእታ ደሞዝ ጥንሲ (Graviditetspenning)
ኵሉ እቲ ዘድሊ ሓበሬታ ምስ ተረከብና። ጕዳይ ኪረአ እንተ ነውሐ 30 መዓልቲ ይወስድ፣
ካብተን ዚሓታ ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ተወሰኽቲ ሰነዳት እንተ ኣድልዮምና። ወይ ንጕዳየን ክንምርምር እንተ ኾይንና ነዊሕ ጊዜ ኪወስድ ይኽእል’ዩ፣ ከምኡ እንተ ኾይኑ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንረኽበን፣
ንምፍላጡ ጽቡቕ!
-
- ቅድሚ መተካእታ ደሞዝ ጥንሲ ክወስዳ ከም ዚኽእላ ምውሳንና። ካብተን መተካእታ ደሞዝ ዚሓታ። ምስክር እናትነትን (moderskapsintyg)) ካብ ወሃብ-ስራሕ ንምደባ ዚርኢ ጸብጻብን የድልየና፣ ምልክታ ከተእቱ ከለኻ ምስኡ ስደዶ፣
- ንዕማማት ስራሕካ ብዝተኻእለ መጠን ብዝርዝር እንተ ገሊጽካ። ጕዳይካ ክንርኢ ይቐለልና፣ እቲ ትሓተሉ ቅጥዒ እንተ ዘይኣኺሉካ። ተወሳኺ ቅጥዒ ተጠቐም፣
- ዋላ’ካ ብስም ሓደ ስራሕ መተካእታ ደሞዝ ጥንሲ ዚሓታ ይዅና’ምበር። እተን ዚሓታ። ሓያለ ወሃብቲ ስራሕ እተለዉወን። ኣብ’ቲ ዘእትዎኦ ምልክታ ኪጽሕፎኦ ኣለወን ፣
ሓገዝ ሕማም (Sjukersättning)
ዘእተኻዮ ምልክታ ምስ በጽሐ ድሕሪ ሰሙን ፈጻሚ ጕዳይካ ምሳኻ ርክብ ይገብር፣
ንጕዳይካ መዓስ ውሳነ ከም ዚወሃቦ ብዝምልከት ኣየናይ ገምጋም ከም ዘለና ሽዑ ሓበሬታ ትረክብ፣ እቲ ጕዳይ ዚረኣየሉ እዋን ዳርጋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከም ዚወስድ ናተይ ኢልካ ሕዞ፣
ንምፍላጡ ጽቡቕ!
-
- ውሕስነት ካሳ ንመተካእታ ደሞዝ ሕማም መሰል ኣለካ ኢሉ እንተ ወሲኑ ንወሰኽ-ሓገዝ ክራይ’ውን መሰል ኪህልወካ ይኽእል’ዩ፣
መተካእታ ደሞዝ ሕማም (Sjukpenning)
ኵሉ እቲ ዘድሊ ሓበሬታ ምስ ተረከብና። ጕዳይ ኪረአ እንተ ነውሐ 30 መዓልቲ ይወስድ፣
ካባኻ ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ተወሰኽቲ ሰነዳት እንተ ኣድልዮምና። ወይ ንጕዳይካ ክንምርምር እንተ ኾይንና ነዊሕ ጊዜ ኪወስድ ይኽእል’ዩ፣ ከምኡ እንተ ኾይኑ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንረኽበካ፣
ንምፍላጡ ጽቡቕ!
- ወሃብ ስራሕካ ብዝተኻእለ መጠን ብቝልጡፍ ከም ሕሙም ከም ዚምዝግበካ ግበር፣
- ምስክር ሓኪም ብወረቐት እንተ ተቐቢልካ። መተካእታ ደሞዝ ሕማም ክትሓትት ከለኻ ናብ’ዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ትልእኮ።- Försäkringskassans inläsningscentral, 839 88 Östersund
- ብፍላይ እቲ እትሓቶ መጠን መተካእታ ደሞዝ ሕማም ኣብ’ቲ ቅጥዒ ከም ዝጸሓፍካዮን። ኣቲ ዕለት ቅኑዕ ምዃኑን ኣረጋግጽ፣ እቲ ዘለካ ሕማም ንናይ ምስራሕ ዓቕምኻ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ። ብናትካ ቃላት ክትገልጽ’ውን ኣገዳሲ’ዩ፣
- ቍጽሪ ስልክኻ ጽሓፍ። ምእንቲ ከድልየና ከሎ ብቕልጡፍ ክንረኽበካ ክንክእል፣ ሓደ-ሓደ እዋን ብዛዕባ ገለ ሓበሬታ ምሕታት ግድን ከድልየና ይኽእል’ዩ፣
- መተካእታ ደሞዝ ሕማም ንፈለማኻ ትሓትት እንተለኻ ወይ ኵነታት ደሞዝካ እንተ ተቐዪሩ። ምስ’ቲ እተእትዎ መሕተቲ ቅጥዒ ቅዳሕ ዝርዝር ደሞዝካ ኣሰኒኻ ስደዶ፣
ውልቃዊ ፈጻሚ ጕዳይ
ፋልማይ ክፍሊት መተካእታ ደሞዝ ሕማም ምስ ወሰድካ’ውን ገና ከም ሕሙም ተመዝጊብካ እንተለኻ። ውልቃዊ ፈጻሚ ጕዳይ ይመደበልካ፣ እቲ ፈጻሚ ጕዳይ ብስልኪ ወይ ብደብዳበ ኪረኽባካ’ዩ፣
ጊዜያዊ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (Tillfällig föräldrapenning)
ኵሉ እቲ ዘድሊ ሓበሬታ ምስ ተረከብና። ጕዳይ ኪረአ እንተ ነውሐ 30 መዓልቲ ይወስድ፣
ካባኻ ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ተወሰኽቲ ሰነዳት እንተ ኣድልዮምና። ወይ ንጕዳይካ ክንምርምር እንተ ኾይንና ነዊሕ ጊዜ ኪወስድ ይኽእል’ዩ፣ ከምኡ እንተ ኾይኑ። ንረኽበካ፣
ንምፍላጡ ጽቡቕ!
-
- ኣብ መርበብ ኢንተርነት ዘሎ ኣገልግሎት ወለዲ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፣ ነዚ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምጥቃም ጊዜያዊ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፣
- ጕዳይካ ኪረአ። ጠለብ ሕቶ ጊዜያዊ መተካእታ ደሞዝ ወላድን ካብ ቤት ትምህቲ ህጻናት ወይ መባእታዊ ቤትምርቲ ዚለኣኽ ምስክር ወረቐትን ኪበጽሓና’ለዎ፣
- እንተ ደንጐኻ ካብ’ቲ ነቲ መተካእታ ደሞዝ ክትወስደሉ እትሓተሉ መዓልቲ ኣትሒዝካ ጊዜያዊ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ሕተት፣ ቅድሚ’ቲ ጠለብ ሕቶ ምእታዉ ንዘለዉ መዓልታት ካሕሳ ትሓትት እንተለኻ ምኽንያቱ ግለጽ፣ ነዚ ንምግባር ከኣ ወይ ምስ ማእከል ተገልገልቲ ”ኩንድሰንተር” ርክብ ትገብር ወይ ከኣ ኣብ’ቲ ’ጊዜያዊ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ’ ዚበሃል መሕተቲ ቅጥዒ ዘሎ ”ተወሳኺ ሓበሬታ” (övriga upplysningar) ኣብ ዚብል ክፋል ትገልጾ፣
ሓገዝ ክንክን (Vårdbidrag)
ዘእተኻዮ ሕቶ ምስ በጽሐ ድሕሪ ሰሙን ፈጻሚ ጕዳይካ ምሳኻ ርክብ ይገብር፣
ንጕዳይካ መዓስ ውሳነ ከም ዚወሃቦ ብዝምልከት ኣየናይ ገምጋም ከም ዘለና ሽዑ ሓበሬታ ትረክብ፣ እቲ ጕዳይ ዚረኣየሉ እዋን ዳርጋ ሰለስተ ኣዋርሕ ከም ዚወስድ ናተይ ኢልካ ሕዞ፣
ንምፍላጡ ጽቡቕ!
- ጕዳይካ ኪረአ ምስ ሓደ ፈጻሚ ጕዳይ ብውልቂ ከም ትራኸብ ዕድል ክንህበካ ኢና፣ እቲ ርክብ ቅድሚ ምክያዱ ተቐራሪብካ እንተ ጸናሕካ ጽቡቕ’ዩ፣ ደቅኻ እንታይ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን። ነዚ ድማ ክንደይ ዚኣክል ወጻእታት ከም ተውጽእን ኣስተርሒኻ ሕሰብ፣
- ጕዳይካ ኪረአ ጸብጻብ ሓኪም ክትሰድድ ኣለካ፣ ብዝተኻእለ መጠን ብእዋኑ ስደዶ! እቲ ጸብጻብ ሓኪም ከይተቐበልና። ውሕስነት ካሳ ንሓገዝ ክንክን መሰል ዘለካን ዘይብልካን ኪምርምር ኣይክእልን’ዩ፣