Privatperson

Direktlänkar

Idag är: Ons 22 maj 2013

ካብ ሕቶ ክሳብ ውሳነ – ብኸመይ ይትግበር (Från ansökan till beslut)

መስርሕና (handläggning)

ኣብ’ዚ። መስርሕ እንህቦም ረብሓታትን ውሕስነታትን ክትነብብ ትኽእል ኢኻ፣ ኣብ ወገን ጸጋም ዘሎ (meny) ዝርዝር እቲ ሓበሬታ እትደልየሉ ረብሓ ትመርጽ፣

ጊዜ መስርሕ (handläggningstid) ንሓዲስ ሕቶ ወይከኣ ኣብ ቀጻሊ ጕዳይካ ለውጢ ምስ ገበርና ይጸንዕ፣

ውስነት ካሳ (försäkringskassan) ሓገዝ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኪኸፍለካ ምስ ወሰነ’ዩ እቲ ዕለት ክፍሊት ዚጸንዕ፣ ኣብ ቀረባ ዋን ባንክ ቐይርካ እንተ ኾይናካ ክሳብ እቲ ገንዘብ ኣብ ሕሳብካ ዚኣቱ ቍሩብ ጊዜ ኪወስድ ይኽእል፣

ካብ ሕቶ ክሳብ ውሳነ (Från ansökan till beslut)

1. ሕቶ

እተቕርቦ ሕቶ-ሓገዝ። ብኢንተርነት። ብቡስጣ ወይ ከኣ ክትበጽሓና ከለኻ ንቕበለካ፣

2. ኪርሳዕ ዘይብሉ

ሓገዝ ክትሓትት ከለኻ። ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰልካ ንምግምጋም ኣየናይ መመርኰሲ (underlag) ከም ዘድልየና ሓበሬታ ትረክብ፣ ንኣብነት ሓገዝ ክራይ ገዛ (bostadsbidrag) ክትሓትት ከለኻ። ውዕል ክራይ ገዛ። ወይ ከኣ ጊዜያዊ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (tillfällig föräldrapenning) ክትሓትት ከለኻ ውላድካ ከም ዝበኾረ ዚገልጽ ምስክር ወረቐት ክንሓተካ ንኽእል፣.

እቲ ዘድሊ መመርኮሲ ድሮ ካብ ፈለማ እንተ ኣእቲኻዮ እቲ መስርሕ ጕዳይ ነቀላጥፎ፣

ንዅሉ ሓበሬታ ኣብ ቅጥዒ ምምላእን። ክታምካ ምንባርን ኣይትረስዕ፣

3. ሓገዝ ናይ ምውሳድ መሰል ንግምግም

ጕዳይካ ንነቦ፣ ምስ ዘድሊ ድማ ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ መመርኰሲ ከተቕርብ ንሓተካ፣

4. ውሳነ

ወይ ንገንዘብ ኣብ ሕሳብ ምእታው ዚምልከት ሓበሬታ። ወይከኣ ጽሑፋዊ ውሳነ ይመጸካ፣

 ኣብ’ቲ ውሳነ እዚ ዚስዕብ ሓበሬታ’ሎ።- 

- ክንደይ ዚኣክል ገንዘብ ከም ትወስድን መዓስ ከም ዚኽፈለካን

- ንዘጋጠሙ ለውጥታት ከመይ ጌርካ ብቕጥዒ ወይከኣ ኢ-ለጊትማሹን (e-legitimation) እንተለካ። ኣብ ”Mina sidor” ኣቲኻ ከም ትሕብር

- በቲ ውሳነ ዕጉብ እንተ ዘይኮይንካ እንታይ ከም ትገብር

5. እቲ ገንዘብ መዓስ ይመጽእ?

ካብ’ቲ ሕቶ ዘእተኻሉ ክሳብ ክፍሊት ዚመጸካ ዚወስዶ ጊዜ እቲ ዓይነት እትሓቶ ሓገዝ’ዩ ዚውስኖ፣ እዋናዊ ጊዜ መስርሕን ዝተፈላለዩ ረብሓታት ክፍሊት ዚመጸሉ መዓልትን። ኣብ’ቲ ብወገን ጸጋም ዘሎ ዝርዝር ነፍሲ-ወከፍ ኣስማት ረብሓ (förmån) ጠዊቕካ ትረኽቦ፣

”ኢ-ለጊቲማሹን” እንተለካ። ገንዘብካ መዓስ ከም ዚመጸካ ባዕልኻ ኣብ "Mina sidor" ኣቲኻ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ፣