Privatperson

Direktlänkar

Idag är: Tor 23 maj 2013

ደለይቲ ስራሕ (Arbetssökande)

ሓበሬታ ብዛዕባ ንጥፈታዊ ደገፍን ሓገዝ ምዕባለን [Om aktivitetsstöd och utvecklingsersättning]

1. ቤ/ጽ መራኸብቲ-ስራሕ ኣብ መደብ መምርሒ ዕዳጋ-ስራሕ (arbetsmarknadspolitiskt program) ይውዝዓካ፣

2. ምስ ተወዛዕካ። ኣብ’ቲ መደብ ክትሳተፍ ክንደይ ገንዘብ ከም ዚወሃበካ ዚገልጽ ጸብጻብ ዘለዎ መልእኽቲ ካብ ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ይመጸካ፣ መብዛሕትኡ እዋን እቲ መልእኽቲ። ምስ ተወዛዕካ ድሕሪ 14 መዓልቲ ይመጸካ፣

3. ገንዘብ ክትወስድ። ቅጥዒ ክትመልእ ኣለካ፣ ነዚ ኣብ መካነ-መርበብ www.forsakringskassan.se ብቐሊሉ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፣ እቲ ቅጥዒ። ”መረጋገጺ ንጥፈታዊ ደገፍ ወይ ሓገዝ ምዕባለ (FK 5057) ተባሂሉ ይጽዋዕ” (Försäkran aktivitetsstöd eller utvecklingsersättning (FK 5057)፣ ኣገልግሎት ስልክና። ብቝጽሪ 020-524 524 ብምጥቃም’ውን ቅጥዒ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ፣
FK 5057A Försäkran aktivitetsstöd eller utvecklingsersättning (pdf 83 kB, opens new window)

4. ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ነዛ ቅጥዒ ናብ። Försäkringskassans inläsningscentral, 839 88 Östersund ትሰዳ፣

5. መብዛሕትኡ ጊዜ ነታ ቅጥዒ ናብ ውሕስነት ካሳ ምስ ሰደድካያ ድሕሪ 14 መዓልቲ ገንዘብ ይመጸካ፣ እቲ ገንዘብ ኣብ’ቲ ንውሕስነት ካሳ ዚሓበርካዮ ሕሳብ ባንክ ይኣቱ፣

ንጥፈታዊ ደገፍ ዚበሃል እንታይ’ዩ? [Vad är aktivitetsstöd?]

ንጥፈታዊ ደገፍ። ኣብ መደብ መምርሒ ዕዳጋ-ስራሕ ክትሳተፍ ከለኻ ክትወስዶ እትኽእል ገንዘብ’ዩ፣

ክንደይ ዝዓቐኑ ንጥፈታዊ ደገፍ ክወስድ እኽእል? [Hur mycket kan jag få i aktivitetsstöd?]

እቲ ብኣ-ካሳ (a-kassa) ዚጥለብ ቅድመ-ኵነት ተማልእ እንተ ኾይንካ። እቲ እትወስዶ ንጥፈታዊ ደገፍ ብመሰረት መዓልታዊ ደሞዝ ኣ-ካሳ ይጽብጸብ፣ ምሉእ ጊዜ ኣብ ሓደ መደብ ትሳተፍ እንተ ኾይንካ። ቅድሚ ግብሪ ምቝራጹ እንተ ዛየደ 680 ክሮኖር ንመዓልቲ ትወስድ፣ እተን ንጥፈታዊ ደገፍ ትወስደለን ካብ’ተን ዘለዋኻ መዓልትታት ኣ-ካሳ ይጎድል፣ እቲ ብኣ-ካሳ (a-kassa) ዚጥለብ ቅድመ-ኵነት ዘይተማልእ እንተ ኾይንካ። እሞ 25 ዓመት ዚመላእካ እንተ ኾይንካ። ምሉእ ጊዜ ኣብ ሓደ መደብ ምስ ትሳተፍ። እንተ ዛየደ 223 ክሮኖር ንመዓልቲ ትወስድ፣

ሓገዝ ምዕባለ ዚበሃል እንታይ’ዩ [Vad är utvecklingsersättning?]

እቶም 18 ዓመት መሊኦም ግን 25 ዓመት ዘይመልኡ። እሞ እቲ ብኣ-ካሳ (a-kassa) ዚጥለብ ቅድመ-ኵነት ዘይተማልኡ እንተ ኾይኖም። ሓገዝ ምዕባለ ኪወስዱ ይኽእሉ፣ 

ክንደይ ዝዓቐኑ ሓገዝ ምዕባለ ደገፍ ክወስድ እኽእል? [Hur mycket kan jag få i utvecklingsersättning?]

ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መዛዘሚ ነጥቢ እንተለካ። ምሉእ ጊዜ ኣብ ሓደ መደብ ኣብ ትካፈለሉ ወቕቲ 140 ክሮኖርር ንመዓልቲ ትወስድ፣ ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መዛዘሚ ነጥቢ እንተ ዘይብልካ። ምሉእ ጊዜ ኣብ ሓደ መደብ ኣብ ትካፈለሉ ወቕቲ 48 ክሮኖር ንመዓልቲ ትወስድ፣ ኣብ’ታ 20 ትመልኣላ ዓመት ዘላ ባሕቲ ሓምለ። እትወስዶ ሓገዝ ናብ 140 ክሮኖር ንመዓልቲ ክብ ይብል፣ ሓገዝ ምዕባለ ግብሪ ኣይክፈሎን’ዩ፣

ምስ ዝሓምም እንታይ እገብር? [Vad gör jag om jag blir sjuk?]

እንተ ሓሚምካ። ካብ’ታ ፋልመይቲ መዓልቲ ንውሕስነት ካሳን ቤ/ጽ መራኸብቲ-ስራሕን (Arbetsförmedlingen) ከተፍልጥ ኣለካ፣ ቤ/ጽ መራኸብቲ-ስራሕ ዘይኮነስ ካልእ ኣዳላዊ መደብ እንተለካ’ውን ንዐኦም ክትሕብር ኣለካ፣  

ንውሕስነት ካሳ ብመካነ-መርበብ ኢንተርነት www.forsakringskassan.se ኣቢልካ ክተፍልጥ ወይ ከኣ ብኣገልግሎት ቍጽሪ ስልኪ 020-524 524 ደዊልካ ክይሕብር ትኽእል ኢኻ፣ ከም ዚሓመምካ ምስ ኣፍለጥካ። ካብ ውሕስነት ካሳ ንገዛኻ ቅጥዒ ይስደደካ፣

ዝሰርሕ እንተ ኾይነ’ኸ ብኸመይ ይትግበር [Hur fungerar det om jag arbetar?]

ካብ’ቲ ምስታፍ መደብ በዅርካ እንተ ሰሪሕካ። ናይ’ታ መዓልቲ’ቲኣ ሓገዝ ኣይወሃበካን’ዩ፣ ኣብ ክንዲ ኣብ መደብ ትሳተፍ ገለ ክፋል ናይ’ታ መዓልቲ ክትሰርሕ እንተ ኣሕሊፍካዮ ከኣ። እቲ ትወስዶ ንጥፈታዊ ደገፍ ይንኪ፣ ማዕረ-ማዕረ’ቲ መደብ ትሰርሕ እንተ ኾይንካ። እትወስዶ ንጥፈታዊ ደገፍ ኣይንክን’ዩ፣

40381 ሓበሬታ ብዛዕባ ንጥፈታዊ ደገፍን ሓገዝ ምዕባለን [Om aktivitetsstöd och utvecklingsersättning, kortversion] (pdf 79 kB, opens new window)

4052 ደገፍ ንጥፈትን ሓገዝ ምዕባለን [Om aktivivetsstöd och utvecklingsersättning] (pdf 187 kB, opens new window)