Privatperson

Direktlänkar

Idag är: Lör 18 maj 2013

Tigrinja (Tigrinska)

ናብ ብትግርኛ ዝተዳለወ ሓበሬታ ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም (Tigrinja)

ኣብ’ዛ ገጽ እቲ ብትግርኛ ክትነብቦ ትኽእል ሓበሬታ ኣኪብና’ለና፣

ኣብ ማሕበራዊ ድሕነት ዚርከቡ ሓገዛት ዚገልጽ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነት ክትቀድሕን ክትነብብን ትኽእል ኢኻ፣ ሓገዝ ክትሓትት ከለኻ ኣየናይ ኣገዳሲ ከም ዝኾነን። ጕዳይ ኪረአ ክንደይ ጊዜ ከም ዚወስድን’ውን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ሓበሬታ ኣብ ወገን ጸጋም ደረት ኣለካ፣

ርክብ (Kontakt)

ናብ ማእከል ተገልገልቲ (kundcenter) ንምድዋል።- 0771-524 524

ናባና እንተ ደዊልካ። ምስ ኣብ ማእከል ኣገልግሎት (ኩንድሰንተር) ዘለዉ ፈጸምቲ ጕዳይ ትዛረብ፣ ፈጸምቲ ጕዳይ ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ኪዛረቡ ይኽእሉ’ዮም ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሕቶ። ንጕዳይካ ዚርኢ ሓበሬታ። ቅጥዒ ብኸመይ ከም ትመልእን ከምኡ’ውን ባዕለ-ኣገልግሎትና (självbetjäningstjänster) ብዝምልከት ማሽ ትረክብ፣ ኣስተርጓሚ ዘለዎ ውልቃዊ ርክብ ንምግባር’ውን ቆጸራ ትገብር፣

ናይ ማእከል ተገልገልቲ (kundcenter) ሰዓታት ስራሕ።-

ሰኑይ - ዓርቢ 08.00-21.00
ቀዳም 08.00-15.00
ሰንበት 15.00-21.00